welcome to eritrean home land ብሰላም ምጹ ናብ ደምበ ኤርትራ  
 
ታሪኽ ይተንተን ንዕለት 24/10/2008 ኣብ paltalk
ንዓርቢ ዕለት 24~10~2008
ሰዓት 21፡00 ኣብ paltalk
ኣብ eritrea-tirnafeeritrawyan
ታሪኽ ይተንተን ሕብእብእ፡ሕሽሉኽሉኽ ኣይፈተን 17/10/2008 ኣብ paltalk
ብስም ጥርናፌ ንሓበራዊ ረብሓ ኤርትራውያን
ወደባት ግርማይ ኪዳነ(ወዲ ፊሊፖ)

ትዝክርዎዶ?
ብዕለት 24~09~2006 ካብ ጭወየት ማእሰርቲ እኩባን ሸፋቱ ህ.ግ.ደ.ፍ ተለቒቑ " ሮማ~ኢጣልያ" ዝተመልሰ ከልቢ እዩ፡
ሕጂ ድሕሪ ክልተ ዓመት ጌና እቲ ብህረራ ክፍኣት እኩባን ሸፋቱ ስለ ዘይሓደጎ ዋናኡ ብኣጋጣሚ ረኺበዮ ካብ ዘዕለለኒ " ሙዚቃ ወይ ቋንቋ ትግርኛ ክሰምዕ እንከሎ ባህሪሩ መሕብኢ ይደሊ" ነዚ ኸኣ እየ ስምብራት እኩባን ሸፋቱ ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ዝባንና ትራሕ ዘይኮነ ኣብ ዝባን ከልቢ እውን ተሳኢሉ ምህላዉ ክሕብር ዝደረኸኒ።
ሰናይ ቅነ
ወደባት ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፊሊፖ)
ብሩሰልስ ጉድ ገራ!!!!!
ብሚካኤል ኣጎስቲኖ/ጀርመን
ጥርናፌን ረብሓኡን
ብጥርናፈ ኤርትራውያን
ኣብ paltalk ታሪኽ ቃልሲ ይተንተን,ንዓርቢ 03/10/2008
bitrnafeeritrawyan ሓባራዊ ክትዕ
ብጥርናፈ ኤርትራውያን
ቶንኮል ህ.ግ.ደ.ፍ መዓስ ተወሊዱ ብኸመይን
በየንንከ ሰዊዱ?
ብጥርናፌ ኤርትራውያን
ኣብ you for you ውልቀ መራሒ ህ.ግ.ደ.ፍን እቲ ሰልፍን "ሳልሳይ ክፋል"
ተቐሪብልኩም ኣሎ!!!!!

ራድዮ
ድምጽና ኣብ ውሽጢ ገዛና ኣርእስቱ ዛዕባ ክንላዘብ
ስለዝኾንና~ንኩልኹም ብኣኽብሮት ንዕድም።

ሓሙስ ኣብ ብሩክሴል ኣለና!!!!
ድምጽና ከነስምዕ!!!!!!!!!!
መብጻዓና ማሕላ~ መትከልና
መብጻዓና ከነኽብር ዝመሓልና ጥርናፌ ንሓበራዊ ረብሓ ኤርትራውያን
ሰራቕ ሞባእ ባዕሉ ይላፋለፍ
ብ ግርማይ ኪዳነ
ወዲ ፊሊፖ
european parliament resolution 2002
ሓበሬታ፡
ብቛንቛ እንግሊዝ ቀሪቡ ዘሎ ሰነዳት፡ ሓድሓደ ካብ እቲ ብባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ እኩባን ሸፋቱ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተላእከ ጻዋዒትን ውሳኔን እዩ እሞ፡ተበግሶ "ወፍሪ ስርሒት ሸኽ ኣረይ ዓጋባ" ነዚ ከም መዘክር ገይሩ ኣብ ተግባራዊ ውሳኔ ጠለባትና ክበጽሕ ናይ ኩሉኹም ትብዓትን ጽንዓትን ይሓትት
resolution 2004
ኣብ 2004 ስተዘርገሐ
resolution 2005
ኣብ 2005 ስተዘርገሐ
<a href="http://m.b5z.net/i/u/10029586/m/04_Semai.wma">Play the media using the stand alone Player</a>
ሰላም ደሊና
ሰላም
ወትሩ ኣብ ጎንኻ ኣለና
ልብኹም ከነቕስን ድልየትኩም ከነርዊ ኣብ ጎንኹም ኣለና.
ኣብሽቱት ጋርድ መስፍን ሓጎስ መን እዩ?
ብግርማይ ኪዳነ
(ወዲ ፊሊፖ)
ሚላኖ
ወፍሪ ስርሒት ሸኽ ኣረይ ዓጋባ
ናብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኤዉሮጳ
ናብ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ኤዉሮጳ
ግዚያዊት ሽማግለ
ጥርናፌ ንሓበርዊ ረብሓ ኤርትራዉያን።\
ኣድራሻና
Email-Tirnafeeritrawyan@yahoo.com
Internet-www.Selamdelina.com
ጥርዓን ናብ ባይቶ ኤውሮጳ
ብቋንቋ እንግሊዝ
ትምክሕቲ እኩባን ሸፋቱ ህ.ግ.ደፍ
ብወደባት ግርማይ ኪዳነ
ወዲ ፊሊፖ
ትምክሕቲ እኩባን ሸፋቱ ህ.ግ.ደ.ፍ
ብግርማይ ኪዳነ
ወዲ ፊሊፖ
ጉዳም ወልደፍደፍ
ብወደባት ግርማይ ኪዳነ
(ወዲ ፊሊፖ)
ሚላኖ ኢጣልያ
ኣነ ኤርትራዊት እየ!
ብወደባት ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፊሊፖ)
ሚላኖ ኢጣልያ
ቀዳማይ



ኣዋጅ ቁጽሪ 1


" ወፍሪ ስርሒት ሸኽ ኣረይ ዓጋባ"


ብጥርናፌ ንሓበራዊ ረብሓ ኤትራዉያን"


ኣብ ልዝብ " Paltalk Tirnafeeritrawyan " ብዕለት 22~08~2008 ዝተረዳዳእናሉ መሰረት ተሞርኲስና ንእዛ ደብዳቤ ናብ ሕቡራት ሃገራት ኤዉሮጳ ክንልክካ ዝተሰማማዕናላ ኩሎም ክኢላታት ግዱሳት ኤርትራዉያን በብዝፈልጥዎ ቋንቋ ቶርጎሞም ኣብ Email -Tirnafeeritrawyan@yahoo.com ክልእኩልና እናተማሕጸንና፡ ናይ መወዳእታ ዉሳኔ ሓቢርና ክንዉስን ንምልዛብ ንዕለት 29~08~2008 ብኣኽብሮት ንዕድምን ንጽበን።





ናብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኤዉሮጳ


ናብ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ኤዉሮጳ



ክቡር ኣቦ ወንበር


ክቡራት ኣባላት ባይቶን ኮሚሽንን



ንሕና ነዛ መልእኽትን ጥርዓንን ዝሓዘት እንልእከልኩም ዘሎና ደብዳቤ ዝርዝር ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ካባና ንላዕሊ እትፈልጥዎ ጉዳይ ስለዝኾነ ኤርትራዉያን ኢና ምስ በልናኩም ጥራሕ እንታይ ምድላይና ትዝንግዕዎ ኣይኮነን።


ኣብ ኤርትራ ዝንህር ዘሎ ግፍዒ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናበርትዔ ድኣ እምበር እናተቓለለ ከምዘይኮነ፡ ህዝቢ ዕድል ረኺቡ መሬቱ ጠንጢኑ ክሃድም ኣብ ምድረበዳን ባሕርን ክዝሕዛሕ መሪጹ ምህላዉ ኣሽንኳይዶ ፍጡር ወዲ ሰብ~ሆቦቡላ ሰሃራን ማዕበላት ባሕሪ መዲተራንያንን ኣፍ ኣዉጺኦም ክዛረቡን ክምስክሩን ቀሪቦም እንተተባህለ እዉን ኣይገርምን እዩ።


እቲ ኩነታት ከምዚ እናሃለወ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዓመጸኛ ስርዓት ኤምባሲ ቤት ጽሕፈት ኢሉ ከፊቱ ርክባት ምስ ዓለም ዘይኮነ፡ ከም መኤከብ ዓመጻዊ ገንዘብን ዘይሕጋዊ ቤት ሸርፊ ገንዘብን ኮይኑ ሃብቲ ሃገር ሸርፊ ሃገር ብኮንትሮባንድ ሸርፊ ይጥቀመሉ ምህላዉ ምስኩር እዩ።


እዚ ዘይሕጋዊ ሸርፍታት እዚ ብዓለመኻዊ ባንክታት ኩኑንን ገበንን ምዃኑ ተረጋጊጹ ኣብ ልዕሊ እዘን ናይ ዝምታ ቤት ጽሕፈታት ግቡእ ዉሳኔ ንኽዉሰድ እናጠለብና እዚ ቅዋመ ሕጊ ዘይብሉ ስርዓት ምስ ወይ ብቅዋም ሕጊ ዝነብራ ሃገርትን መንግስታትን ተሰሪዑ ክፍለጥ ንቅዋም ብቅዋም ዝመሓደራ ሃገራት ዘለፋን ሕጫጫን አዩ አንተበልና ኣየጋነንናን።



ክቡራት ክቡራን፡


ብዕለት 07~02~2002 ኣብ መጋባእያ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኤዉሮጳ ብምሉእ ድምጺ ዝጸደቐ ብይን ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኤርትራ ዘኪርና እቲ ብመጋባእያ ባይቶ ዝተጠልበ ጠለባት ክሳዕ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ዘይምትግባሩ ካብ ሽዑኡ ክሳዕ ሕጂ ካብቲ ናይ ቀደሙ ዝኸፍኤ ግፍዕታት ይወርድ ምህላዉ ዝኽወለኩም ኣይኮነን።


እሞ


ከምቲ ዝተዋህበ ዉሳኔ መጋባእያ ባይቶ ብወገንኩም ክትግበር ዘይምኽኣሉ ከምቲ ዝተበየነ እዚ ስርዓት አዚ ክኹነን ዘይምኽኣሉ አንታይ እዩ?


ህዝቢ ኤርትራ ክድራዕ! ክሳቐ! ግቡእ ኮይኑ ድዩ?


ህዝቢ ኤርትራ ከም ኩሉ ህዝቢ ዓለም ቀሲኑ ንኸይነብር ስለዝድለ ድዩ?



እዚ ጥራሕ ዘይኮነ፡


ብእቲ ስርዓት ዝተላእኩን ቤተሰቦምን ከም ዑቕባ ሓተትቲ ኾይኖም ኣብ ብዙሕ ሃገራት ተዋፊሮምን ንዉጽዕ ህዝቢ ኤርትራ ጥርዓኑ ንኸየቕርብ ምዕንቃፋትን ምፍርራሃትን ይገብሩሉ ስለዘለዉ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ኣብ ዝነብርሉ ሃገር ዑቕባ መሕተቲኦም እንታይ እዩ?


ካብ ተቓወምቲ ድዮም ዑቕባ ዝሓቱ ዘለዉ?


ንእቲ ንኹልና ዘሳቒ ዘሎ ስርዓት ኣሳቒዮምዎ ድዮም ዑቕባ ዝሓቱ ዘለዉ?



እዚ ክንጸር


ዘለዎ ጉዳይ ኮይኑ፡ እቲ መሰል ዑቕባነት ንመን ይግባእ ተነጺሩ እቶም መንግስትና ጥዑይ እዩ ዝብሉ ስለምንታይ ዑቕባ ከም ዝሓተቱ ተለልዩ፡ መንግስቶም ጥዑይ እንተኾይኑ፡ ናብቲ መንግስቶም ክኸዱ እንታይ ይጽግሞም? እንታይ ዑቕባ ኣሕተቶም? ዉዕልን ሕግታትን መሰል ሓተታ ዑቕባ እንታይ ድዩ ዝብል?





ብዳርባ


በቲ ተገፊዔ~በቲ ጸፊዔ ምባል ንባዕሉ ነቲ ንመሰል ደቂ ሰብ ዝተሓገገ ምዝላፍ ነተን ዑቕባ ዝህባ ሃገራት ምጽራፍዶ ኣይኮነን?



እዝን ክንድዝን


መባእታ ሕቶታትና ኾይኑ፡ ክቡራን ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኤዉሮጳ~ክቡራን ባይቶ ኮሚሽን ኤዉሮጳ፡ ነዚ ዝስዕብ ጠለብና ተቐቢልኩም ኣብ ግብሪ ከተዉዕልዎ ንጠልብ።



  1. ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ቅዋም ኣልቦ ዓማጺ ስርዓት ብዙሕ ግዜ ተጸዊዑ (ልዕሊ ሸዉዓተ ዓመት) ንጠለባት ሕቡራት ሃገራት ኤዉሮጳ ጸማም እዝኒ ብምሃብ ብህጹጽ

ዘይሕጋዉነቱ ክኹነን።



  1. ኣብ ኤዉሮጳ ዝርከብ ብስም ኣምባሳደር ቤት ጽሕፈት ዝጽዋዕ ናይ ኣፈራሪህካ ገንዘብ መኤከቢን ካልእን..ኮይኑ ተፈሊጡ። ዘይሕጋዊ ሸርፊ ዘሽርፈሉ ንዓለመለኻዊ ሕግታት ባንክ ምጥሓሱ ተፈሊጡ፡ አቲ ቤት ጽሕፈታት ክዕጾ ጥራሕ ዘይኮነ እቶም ኣብቲ ቦታ ኾይኖም ሽፍታዊ ስርሓት ዝሰርሑ ልኡኻት ዓማጺ ኮንትሮባንዳዊ ስርዓት ብግቡእ ገበን ከሲሱ ኣብ ሕጊ ከቕርቦም።


  2. ኩለን እተን ንግፍዕታት ኤርትራ ፈሊጠን ንኤርትራዉያን መሰል ዑቕባነት ዝሃባ ሃገራት ሕግን መሰል ዉህበት ዑቕባን ኣኽቢረን ንእቶም ሓተትቲ ዑቕባ ኮይኖም ጌና ናይ እቲ ኣረሜናዊ ቅዋመ ሕጊ ኣልቦ ስርዓት ኤርትራ ኣመንትን ናይ ዕንቅፋት ተቓዉሞ ኣዋፈርትን፡ ንመጻኢ ኣጣጢሖም ክጸንሑ ዝተላእኩ ስድራቤት ዓመጸኛታት ሰበ ስልጣናትን፡ ክሳዕ ሕጂ ዝፈልጥዎ ቶንኮላትን ኣተግባብራኡን ዓመጽ እኩባን ግፍዔኛታት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ቃልዕ ዘይነገሩን ዘይመስከሩን ካብ ዝተሓተ ክሳዕ እቲ ዝለዓለ ሓላፍነት ዝነበሮም ሕጂ ከም ተቓዉሞ ተፈሊጦም ዑቕባ ዝሓተቱን፡ ኩለን ሃገራት መሰላቶም ቀንጢጠን ንካብ ዝመጽእዎ ክመልሶኦም ክዉሰንን ብዘይ ወዓል ሕደር ኣብ ግብሪ ክዉዕልን።



    ክቡራት ክቡራን


    እዚ ልዕሊ ኢሉ ዝሕተት ጠለባት ዉሳኔ መሰረት መበገሲኡ አቲ ክሳዕ ሕጂ ንጠለባት ባይቶን ኮሚሽንን ሕቡራት ሃገራት ኤዉሮጳ ናይ ዕለት 07~02~2002 ኮይኑ ሕጂ ድሕሪ ሸዉዓተ ዓመት ካልእ ደንጋጺ ወይ ተስፋ ትጽቢት ስለ ዘይሓትት እቲ ስጉምትታት ብቕጽበት ክዉሰድ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ ባይቶን ኮሚሽንን ሕቡራት ሃገራት ኤዉሮጳ ሓላፍነት ክስከምን ንኹለን ኣብቲ ማሕበር ምዝጉባት ሃገራት ንፍጻሜ ከተባብዔን ሕድሪ እናበልና፡


ጠለባትና


ሕጋዉን ኣወንታዉን ኮይኑ ከም አትቕበልዎ ፈጺምና ጥርጥር የብልናን፡ አቲ ሕቶ ግን፡ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ዓማጺ ስርዓት እዚ ተጠሊቡ ዘሎ ጠለባት ብህጹጽ ኣብ ግብሪ ዉዒሉ ንኹለን ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ኤዉሮጳ ከተግብርኦ ከምዘለወን ንሓትትን ንተቐባልነትኩም ኣቐዲምና ነመስግንን።



ምስ ምዉቕ ሰላምታ


ግዚያዊት ሽማግለ


ጥርናፌ ንሓበርዊ ረብሓ ኤርትራዉያን።\


ኣድራሻና


Email-Tirnafeeritrawyan@yahoo.com


Internet-www.Selamdelina.com



Coalizione per interesse


Comune degli Eritrei


C/o P. Bazzano


Via Nikola Jevka N° 3


20152


Cell +393343843621


Milano Italia

ቅልዕቲ ደብዳበ

ንቤት ጽሕፈት፡ ኤ.ደ.ኪ.

(ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን)

ብግዚያዊት~ሽማግለ፡

ጥርናፌ ንሓበራዊ ረብሓ ኤርትራዉያን

ሚላኖ 20~08~2008

  

ክቡር ኣቦ ወንበር

ክቡራን ኣባላት፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን

ምዉቕ ሰላምታና ነቐድም

ንሕና ኣሕዋትኩም~ደቂ ሃገርኩም ኣብዚ እዋን እዚ ተጠርኒፍና፡ ብጥርናፌ ንሓበራዊ ረብሓ ኤርትራዉያን መጸዉዒ ተጸዊዕና፡ ንዕርድን ቀጻሊ ግፍዕታት እኩባን ጠላማት ህ.ግ.ደ.ፍ. ንምሕምሻሽ ብዕቱብ ተበጊስና ዘሎና፡ ኣቐዲምና ክንሕብሮን ከነነጽሮን እንደሊ፡ ተበግሶና ይኹን ዕላማና ጎድንን ዋልታን ናታትኩም ኴንና ድኣ እምበር፡ ከም እተን ወለቕ ዘለቕ እናበላ ክዓናቕፋ ዘሕሾኽሹኻ ንኽንከዉን፡ ዉድብ ኣብ ዉሽጢ ዉድብ ንምፍጣር ከምዘይኮንና ዓዉ ኢልና ንምሕልን ነነጽርን።

ቃልስና መሰነይታ እቲ ተበጊስኩሙሉ ዘሎኹም ዕላማ ኾይኑ ንተበግሶኹም ክዓናቕፍ ዘህተዉትዉ ዝቕልቀል ወይልኡ ልዕሊ ምባል ኣብ ዘይምህላዉ ከነብጽሖ ኣባትርና ቅሩብ ምዃኑ ብወግዒ ኸኣ ንገልጽን ንእዉጅን።

ዕማምና ዕማምኩም ምዃኑ ፈጺምና ክምህታ ወይ ጥርጣሬ ዘለዎ ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ፡ ብሕሉፍ ተመኩሮታት ተማሂርና፡ ንዝተጠርነፋ ዉድባት ሸቶኤን ንኸይወቕዓ ዝተገትኣ ናተን ፋሕፋሕነት መሔየል ቅህመት መንነትናን እንታዎትነትናን ስለዝኾነ፡ ብድሕሪ ሕጂ ከምኡ ዝኣመሰለ ንኸየጓንፍ ትንፋሱ እዉን ንኸይተንፍስ፡ እቲ ሎሚ ብጻዕርኹምን ተወፋይነትኩምን ዝተሰረተ ባይታ፡ ሓለዋና~ሓልዮትና የድልዮ ዝብል እምነት ስለዘሕደርና ዋልታኹም ዝናርኩም ኴንና ተወፊና ክንምክት መሪጽና፡ ነጻ ካብ ውድባዊ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዝኾነ ሓበራዊ ረብሓ ዝኣመተ ጉዕዞ ንኽንጓዓዝ መዲብና ስለ ዘሎና፡ ንስኹም ክቡራን ኣሕዋትን ኣባላትኩምን ናይ ዝተፈላለያ ዉድባት፡ ግን! ኣብ " ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን" ተጠርኒፈን ዘለዋን ኣብ ጉዕዞና ክተሓባበሩ ክትዕድሙዎምን ከተተባብዖዎምን ነማሕጽን። ከም እትፈልጥዎን ተረጋግጽዎን ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ወትሩ ሰሚሮም፡ ተፈናጢሖም ዝበሃል ዝነበረ፡ ጉሁይን ሕዙንን ጸኒሑ፡ ነዛ ሕጂ ኣበጊስኩሙዎ ዘሎኹም ኪዳን ሸቶኣ ኽትወቅዕ ብሃንቀዉታ ይጽበያ ስለዘሎ፡ ሸቶኣ ወቒዓ ሽጋ ወሊዓ ተሓቢኣ ዘላ ባንዴራና ክሳዕ ኣብ ቦታኣ ተንበልብልን ስልጣን ሃገር ዋንነት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ተረጋጊጹ ክሳዕ ዝቕበልን ኣባትርና ካብ ዝባንና ከይወረደ ሓለዋ ኾይኑ ከምዝጸንዕ ነረጋግጽ።

እምነትና ኣብ "ጥርኑፋት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን" ነቕ ኣይብልን!

እምነትና፡ ኣብ ምሕያል "ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን" ይኣምን!

እምነትና፡ ብዉልቃዊ ረብሓ ኣይሕበልን!

ምስ ሰናይ ኣኽብሮት፡

ግዚያዊት ሽማግለ

ጥርናፌ፡ ንሓበራዊ ረብሓ ኤርትራዉያን፡


ጥርናፌ ንሓበራዊ ረብሓ ኤርትራዉያን

ተበግሶናን መብጽዓናን
ኣድራሻና
Mail webmaster@selamdelina.com
Internet: www.selamdelina.com
ግዚያዊ ስልኪ መራኸቢ Tel: +393343843621
ዓርቢ ዓርቢ ኣብ paltalk
ኤርትራ፡ ዕላል ምስ ወዲ ፊሊፖ

መቕድም!!!

ንሕና ብድልየት~ብፍትወት ብዘይ ጽግዕነት ብዘይ ወልቃዊ ረብሓነት "ጥርናፌ ንሓበራዊ ረብሓ ኤርትራዉያን" ህላዌኡ ኣድማዒ እዩ ኢልና ኣሚንና ክንንቀሳቐስ ከነንቀሳቕስ መዲብና ዘሎና፡ ኩልና ከም ኩሎም ፍትወት ወይ ናይ ስነሓሳብ ኣርኣእያታት ናይ እንኽተሎ ዉድብ፡ ሰልፊ፡ ምንቅስቓስ፡ ማሕበር ወዘተ.ወዘተ. ክህልወና ከም ዝኽእል ባህሪያዊ ስለዝኾነ ኣሎና እንተበልና ኣየሕንኸና፡ ኣየሕፍረና። ንዘሎና ዉልቀ እምነት ዉድብ ኣሉ ክንብሎ እንተድኣዄንና፡ ነዚ ኣሚንናዮ መፍትሕ ጸገማት ኤርትራን ኤርትራዉያንን ክበቅዕ እዩ እንብሎ ዘሎና ነጻ ጥርናፌ ሓበራዊ ረብሓ ኤርትራዉያን እዉን ብሓቂ ብግቡእ ኣይኣመንናሉን ማለት እዩ እሞ፡ እምነትን ጽግዕነት ዉድብና~ሰልፍና~ምንቅስቓስና~ማሕበርና ኣብ ቦትኡ እናሃለወ ነዚ ብነጻ ኤርትራውያን ዝብገስ ዘሎ ተበግሶ "ጥርናፌ ንሓበራዊ ረብሓ ኤርትራዉያን" ተመያይጥና ተላዚብና ከነሳርሖ እምነትና ድልየትና ነረጋግጽ። እዚ ተበግሶ እዚ ኣድማዒ እዩ፡ ሽቶ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ክወቅዕ ይኽእል እዩ ዘብለና ዘሎን ምኽንያት መበገሲኡ ብኸምዚ ዝስዕብ ንገልጾ።

ሃብታም ታሪኽ ቃልሲ ኤርትራ
ሃብታም ታሪኽ ቃልሲ ኤርትራ ከም ዝምህረና፡ ልዑላዉነት ሃገርናን ንምርግጋጽ መንነትና ከነርክእ ምስ ብዙሓት ባዕዳዉያን ተዳሚና፡ ክትክኡ ዘይኽእሉ መስዋእቲ ብሩኻት ስድራቤታትና ከፊልና፡ ብዕለት 24/05/1991፡ ንዝነበረ ባዕዳዊ መግዛእትነት ሓግሒግና ናብ ካብ ዝመጾ ጠሪዝና፡ ብክቡር ደምን ኣዕጽምትን ጀጋኑታትና ልዑላዉነት ኤርትራ ሃገርና ንዓለም ነጊርና ኣፍሊጥናያ።
ዓወትና~ብደምና ምፍሳስን ኣዕጽምትና ምኽስካስን ተረጋጊጹ ኢልና ዕልል እናበልና ግን፡ ምሳና ንዓና ተመሲሎም ዝተዓለለሎም ጠላማት ደቂ ሃገር እንተኣሎና ኣብ ስደት፡ ኣብ ሃገር ዘለና ናብ መቑሕነት (ቤት ማእሰርቲ) እንተሜትና ኸኣ ብሕስረት ከምንቕበር ገይሮሙና፡ ድሕሪ ፍርቂ ዘመን ክርተታ~ህዉተታ~ግጥም ኲናትን፡ ልዑላዉነትና ተረጋጊጹ መንነትና ኣብ ክቡር መሬቱ ከም ቃሕታኡ ኣጋይጹ እፎይ ኢልና ንከይንነብር ተሓሪሙና ክሳዕ ንናጽነት ኣብ ትርጉም ባርነት ነስፍራ ተቐላቒልና። ሃገርና ኤርትራ ብዝተኸፈለ መስዋእቲ ደቃ ልዑላውነታ ይመስከር ይረጋገጽ ድኣ እምበር ወዮ ክብርና መንነትና ብእዞም እኩባን ከዳዓት ሸፋቱ ህ.ግ.ደ.ፍ ኣሉ ከምእተባህለ ህዝባዊ ሰራዊ ኤርትራ ስዒሩ ምስ ኣተወ ተሓቢሩና እዩ። ንሱ ኸኣ! እታ መለለይትና ባንዴራና ኣብ ካብ ዝተቐንጠጠትሉ ቦታኣ ክንዲ ተኸቢራ ተንበልብል ክሳዕ ሕጂ ተዓፊና ብካበይን ስለምንታይን ዝተሳእለት ባንዴራ ተተኪኣ ተበር ኣላ።
እዚ ኸይኣክል ክድዓቶም ንኸትክል ከኣ፡ ደፊሮም ንጥንታዊት ታሪኻዊት ኤርትራ "ሓዳስ ኤርትራ" ሰይሞም፡ መፋጥርትን መናብርትን ዓንድታት ኤርትራ፡ "ኣውራጃታት" ደምሲሶም፡ ንቡር ሓባራዊ ማሕበራዊ ኣነባብራን ባህልን ኤርትራ ኣጨማሊቖም ክነብሩ መዲቦም፡ ስድራቤታት ኤርትራ ኣብ እህህታን ኣሕታን ንኽነብር ቆሪጦሞም
ኣብዚ እዋን እዚ እህህ~ኣሕ ዘይብል ኤርትራዊ ስድራቤት የልቦን፡ ኣብዚ እዋን እዚ ፍሽኽ ዝብል ኤርትራዊ ስድራቤት የልቦን፡ ኩሉ ሓሚሙ ከብዱ ሓቚፉ ኣፉ ሓቲሙ ከንጸርጽር ከይነብዕ ንብዓቱ ተጸንቂቑ ክራገም ይዉዕል ይሓድር ኣሎ፡ እዞም ከድዓት እኩባን ሸፋቱ ዊንታኦም እናኣከናወኑ ኸኣ ማዕረ ማዕሬኦም ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ሕቅን ኣልቦ ዝኾኑ ባእታታት ናይ ስልጣን ኮረሻ ሕልሚ ብምቕዳም ወግሔ ጸበሔ ኣብ ክንዲ ዝርያ ሃገር ህዝቢ በትሮም ዘብልሑ ተካእቲ ዋንነት ንምዃን ዝነብሑ ኣይተሳእኑን ህዝቢ እንታይወሪድዎ ህዝቢ ክግፋዕ ዘብቅዐ ጥልመት ብዘይቕድመ ኩነት ክምከት ኣለዎ ኣብክንዲ ምባልን ምእማንን ወድበይ ዕቁበይ ሰልፈይ ጥልፈይ ክብሉን ክዋፈሩን ምዕዛብና እዚኦም ሎሚ ብስምና ዝወናደቡ ዘለዎ ተበልጽቲ ጽባሕ ቀዳሞት ከሕድቲ ምዃኖም ከይንዝንግዕ ነታ ቀደም መራሕ ሰውራ ቺና(ማኦ ትጸቱንግ) ዝበላ ጠቅሲ ኣንበሳ እና ተዋጋእና (ኣመሪካ ማለቱ እዩ) ውኻርያ ከይተዘንጋዓና (ሶቬት ሕብረት ማለቱ እዩ) ዝበሎ ንሕና ከኣ ንኸዳዓት እኩባን ሸፋቱ ህ.ግ.ደ.ፍ እና መከትና ውሽጣውያን መሕሾኽሾኽቲ ከይዘንጉዕና ንጠንቐቕ ክንብል ናይግድን እዩ።

ንኹሉ ኸኣ
መሰረት ጠንቂ ጥልመት ካበይ ይብገስ ኢልና ምስ እንመራመር፡ ንሕና እቶም ሓሚምና እንብል ደቀባት ኤርትራዉያን ክሳዕ ሕጂ ዝዘንጋዕናዮ ብዙሕ ነገር ኣሎ። ድሕነትና ብመስዋእትነትና ዝብል ተበግሶ ኣብ ክንዲ ነቐድም፡ ኣኣብ ዝፈቶናዮ ዓቕሚ ይሃልዎ ኣይሃልዎ ወገንና~ዉድብና ሰልፍና ወዘተ.ጠመተና ሓልዮትና ኣቐዲምና ወዮ ህጹጽ ኩዉንነት ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ናብ ዳሕረዋይ መስርዕ ብምስራዕና፡ ዓወት ብሓድነት ጥራሕ ከምዝመጽእ ዘንጊዕናዮ ኢና።

እኩባን ሸፋቱ ኤርትራ
ሓይሎም ወይ ለቢሞም ኣይኮኑን ጌና ኣብ ልዕሊ ሬሳታትና ሬሳታት ጀጋኑ ዝስዕስዑ ዘለዉ፡ እንታይ ድኣ? ዘይምዉህሃድና ቀዳምነት ድሕነት ህዝብን ሃገርን ክረጋገጽ እቲ ስልጣን መንነትን ልዑላዉነትን ናይ ህዝቢ ኾይኑ ወሃባይ ከላኣይ ህዝቢ ምዃኑ ኩሉ ምንቅስቓሳት ብድልየትን ፍቓድን ህዝቢ ምዃኑ እቲ ናይ ዉድብ~ሰልፊ~ምንቅስቓስ ወዘተ.ብቀይደ ሕጊ ህዝቢ ክብገስ ከምዘለዎ እሞ ፍቓድን ድልየትን ረብሓን ህዝቢ ኣቐዲሙ ብዘይ ቅድመ ኩነት ንኽረጋገጽ ዘይምቅላስና፡ ከምቲ ስሱዕሲ "መኣዲ ብኡሳት ዘይሰማምዑ ስድራቤት ይፍጠረለይ" ኢሉ ዝምህለል እኩባን ሸፋቱ ኤርትራ ምህለላኦም ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ እከይ ምህለላኦም ኣብ ድልየቶም ክኽዝንዎ ኸኣ ተቓወምቱ መሰል ባእታታቱ ኣብ ሞንጎ ተቓወምቲ ዉድባት ብምስኳዕ ነቲ ዕማምን ዕላማን ተቓዉሞ ከሰንክልዎ ህዝቢ ኣብ ሓደ ባይታ ደዉ ንኸይብል ኽከላኸልዎ ኣዋፊሩዎም ምህላዉ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን ክዝንጋዕ ከኣ የብሉን።

ንኣብነት
ምንቅስቓስ ተቓዉሞታት ብናህሪ ካብ ዘትክል ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኮይኑ፡ ኣብ ዓሰርተ ዓመት ናህርታት ከኣ ዕለት ዕለት ምፍጣር ዉድብ~ሰልፊ ወዘተ.እንተዘይኮይኑ ጽላእቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ እኩባን ሸፋቱ ህ.ግ.ደ.ፍ. ምዃኖም ተነጺሮም ብኸመይ ንሕግሕጎም፡ ንወኻርኦምከ ኣበይን ምስመንን ንሰርዕም ኣይተባህለን፡ እንታይ ድኣ? ኣብ ኩሉ ብኹሉ ሸነኻትን ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዓማጺ እናተባህለ፡ ብስም ህዝቢ ፍልስፍናታት እናተሃለለ፡ ወዮ ብሩኽ ምስላ ኣቦታት "ኣሕዋት ምስ ዝጥመሩ፡ ጸላእቲ የባርሩ" ተረሲዑ ንግሆ ንግሆ ኣብ ምዉላድን ምፍጣርን ዉድብ~ሰልፊ ምጓያይ ምህላዉ ኣብ ክንዲ እቲ ባህግናን ድልየትናን "ድሕነት" ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ እኩባን ሸፋቱ ኤርትራ ዕድመ ምንዋሕን፡ ደም ኤርትራዉያን ኣብ ፎቖዳኡ ምዝሕዛሕን ባይታ ይኸዉን ኣሎ።




ንግሆ ንግሆ
ዉድባት ሰልፍታት ቆይመን እናተባህለ~ማዕረ ማዕሬኡ ኸኣ ናይ ዉድባት ሓድነት ተተግቢሩ ይበሃለና፡ ዕዉር እንታይ ትደሊ? ብርሃን! ጸማም እንታይ ትደሊ? ምስማዕ! ከምዝበሃል፡ ዉድባት ተቓዉሞ ሰሚረን ክበሃለና እንከሎ ፍሽኽ ተፈናጢሔን ምስ በሉና ኸኣ መዓንጣና ሓሪሩ ሕምትኽ ክንብል ግዜ ነዊሑና፡ እዚ ስለምንታይ? ኢልና ምስ እንመራመረሉ እታ እንኮ ሓቂ፡ ኣብ ዉሽጢ እታ ተቓዉሞ ሓይልታት ምትእትታዉ ኢድ እኩባን ሸፋቱ ኤርትራ ከም ዘሎ ኣይዘንጋዕ፡

ስምረት 13 ዉድባት
ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ተኣዊጁ ንኹልና መበገስ ዕግበትና ክኸዉን ተስፋና ዕዙዝ ድኣ ይኹን እምበር፡ ሕጂ እዉን ከም ቀደሙ ኣጀሚሮም ምስኡ ኮፍ ኢሎም ከስንፍዎ~ኽሕንኩሉዎ፡ ከሰንክልዎ ዝተዋፈሩ ከምዘለዉ ኣይስሓት ኣይዘንጋዕ፡ ድሮ ውን ወፍርታት ጀሚሩ ከምዘሎ ተዓዚብና ኣለና።

እዚ ንኸይከዉን ግን
እቲ ብዝኾነ ጥምቀት ስም ዉድባት ዝበሃል፡ ዝዝረብ፡ ዝፍልስፍ ብስም ህዝቢ ስለዝኾነ እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሕና ስለዝኾንና ብስምና ለግጺ~በለጽ~ዓመጽ ንኸይግብል ንእዘን ኣብዚ ቃል ኪዳን እዚ ሰሚርና እንኮ ጸላኢና "ጭፍራ እኩባን ሰፋቱ ኤርትራ ህ.ግ.ደ.ፍ." ካብ ሱሩ ምሒና ክንድርብዮ ካብ ህላዌ ዓለም ክንኣልዮ ዝብላን ነዚ ንምትግባር ዝሰርሐን መርሓባ፡ ናይ ምድንጋጽ ሕሹኽሹኻት ዘዋፍራ ኸኣ ካብ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ርሓቓ ዕረባ ብጩግራፍ ከይትልብለባ ክንብለን ንግደድ።

እኩባን ሸፋቱ ኤርትራ
ኣብ ገምገም ጸድፊ ተንጠልጢሎም መዋጽኢ ስኢኖም ስለዘለዉ ከም ኣመሎምን ዕላማኦም ሽፍትነትን ምቕጻል ኣብዚ ቀረባ እዋን መዋዳድርቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ክበቅዕ እኽእል እየ እትብል ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ኮይና ኽትንቀሳቐስ ትኽእል ዋሕስነት ህላዌ ተፈቒድዋ ዝብል ኣዋጅ ክእዉጁ ይቀራረቡ ከምዘለዉ ፈሊጥናን ኣየነይተን ካብ ኣብ ደምበ ተቓዉሞ ኣሎኹ እናበለት ናብ ዕድመ ህ.ግ.ደ.ፍ. ክትኣቱ ትቀራረብ ከምዘላ እዉን ኣስተብሂልናላ ስለዘሎና ጥርናፌ ሓበራዊ ረብሓ ኤርትራዉያን፡ እንኮ ተቓዋሚ ግፍዔኛታት እኩባን ሸፋቱ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ከምዝኾነ ብምርግጋጽ፡ ነዚ ኪዳን እዚ ብዉሽጢ ይኹን ብግዳም ክዓናቕፎ ዝፍትን ማዕረ እኩባን ሸፋቱ ህ.ግ.ደ.ፍ. ሰሪዕና ኽንምክቶ ሓላፍነትና ኾይኑ ክንዘርየሉ ክንምክተሉ ንማባጻዕ እና በልና ኣገባብን ተበግሶን ዕላማናን ኣብ ቀጻሊ ጽሑፍ ተመልከቱ፡ ንሱ ግን ከመጀመሪ ደኣ እምበር ካብ ግዱሳት ኤርትራውያን ዘድመዐን ዘትከለን ኣገባብ ወይ ርእይቶ ምስ ዝህሉ ሓንትስ ንዝነበረን ዝውጠንን ጸረ ኤርትራውነት ደምሳሲ ቀላላዒ ኮይኑ ንመጻኢ ወለዶ ኤርትራ ኣቅሳኒ ይኹን እምበር ዘይንቕበሎ ምኽንያት የልቦን።
መደምደምታ
ተበግሶና ንኹልና መዋሲኢ ክኸውን ኣበጊስዎ ዘሎ መርበብ ኢንተርነት ( www.selamdelina.com ) ንኹሎም ኤርትራውያን ነጻ ሪእቲኦም ንኽገልጹ ብሃንቀውታ እና ተጸበየ ስኾነ ይኹን ሪእቶ ሓሳብ ነቀፌታ ስነ ጽሑፍ ተቐባሊ እዩ፡ እዚ ግን እቶም ሪእትኦም ነቐፌትኣም ብስነ ጽሑፍ ክዝርጋሕ ዝደልዩ፡ መሰነይታ ጽሕፎም ሓቀኛ ስሞምን ኣድራሽኦምን ስእሎምን ክልእኹ ይጥለቡ፡ ከመይ ሲ እምነትና ካብ መሰረቱ ክሳዕ ደረቱ ተቓውሞ ብሕብእብእ ሸፈንፈን ኣይኣምን ኣይ ሰምዕ ኣይ ቅበል ስለ ዝኾነ፡ እዚ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ወሪዱን ዝቕጽል ዘሎን ኣቕሃሚ ኩነታት ዓይንና ልብና ግንባርና ገቲርና ክንምክቶ ስለዝመደብና ተሓቢእካ ተሸፊንካ ቃልሲ ዋላ ምኽሪ ኣይንቕበልን ኢና።


ጭርሖና

ብህዝቢ ኤርትራ ምጥላዕ ይትረፍ
ሙሉቕ ኢልኩም ጥፍኡ~ትፋኣት ህ.ግ.ደ.ፍ.
ኣይከተዘንግዑናን ኢኹም ብቐጠፍጠፍ
ንኪዳን ዝተንከፈ ንኽግረፍ
ከነድዉዮ ኢና፡ ክሳዕ ኣብራኹ ዝዕጸፍ
ህ.ግ.ደ.ፍ. ከይተደምሰሰ ከይተሓግሓገ
ሰራዉሩ ከይተማሕወ፡ ኣብ ዉሽጢ ኣብ ደገ
ዋንነት ሃገር ናይ ህዝቢ ምዃኑ ከይተሓገገ
ኣባትርና ኣዉሪድናዮ ማለት? ዕደ



ዓወት ንስድራቤታት ኤርትራ
ሕስረት ንዝሉቕምጻ ንዝመሻጠራ

ጥርናፌ ንሓበራዊ ረብሓ ኤርትራዉያን

11 ነሓሰ 2008





Site Design
Change the look of your site at anytime by clicking the design button. Our site design tools enable you to change your layout, colors, fonts, menu buttons, site title and more. Give it a try!

 
Site Mailing List  Sign Guest Book  View Guest Book 
መርሓባ

selam delina
via eritrea
milano
Phone: +3933438
webmaster@selamdelina.com


Website Builder and Web Site Design Software
Build a website with the easy web design software
This site was built using the iBuilt.net Website Builder